1 ኣነ ዝብሎ እዙይ እዩ፦ እቲ ወራሲ ኣብ ጊዜ ህፃንነቱ፥ ናይ ኵሉ ጐይታ እንተ ኾነ እኳ፥ ካብ ባርያ ኣይፍለን።
ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
ኢዮኣስ ከምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝመሃሮ፥ ብዅሉ ዘመኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።
ክሳዕ እቲ ኣቦኡ ዝወሰነሉ ጊዜ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓለውትን መገብትን እዩ።
ወዲ እታ ገረድ፥ ከም ናይ ስጋዊ ልማድ ተወለደ፤ ወዲ እታ እመቤት ግና፥ በቲ ተውሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወለደ።
ግና ኸምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ ዝተወለደ፥ ነቲ ብናይ መንፈስ ዝተወለደ ዘሳጐጎ፥ ሕዚ እውን ከምኡ እዩ።
ብወዲ እግዚኣብሄር ዝኣምን፥ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ስለ ዘይኣመነ፥ ንእግዚኣብሄር ሓሳዊ ይገብሮ።