8 መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ።
ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ።
ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
“ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ብዘመኑ ፅድቂ ይዕምብብ፤ ወርሒ ክሳዕ እትሓልፍውን ብዙሕ ሰላም ክህሉ እዩ።
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።
ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ።
እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ከምቲ መፅሓፍ ዝበሎ፥ ‘ካብ ውሽጡ ማይ ህይወት ክፍልፍል እዩ’ ” እናበለ ተዛረበ።
ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ፥ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመፅእ፥ መፅሓፍዶ ኣይነግርን እዩ?” በሉ።
ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ።
ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ።
እቲ ተስፋ፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተውሂቡ ዝነበረ። ንብዙሓት ከም ዝብል “ነዝርእትኻ” ኣይበለን፤ እንተ ኾነ ንሓደ ኸም ዝብል “ንዘርእኻ” በለ እምበር፤ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ።
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
እቲ ፅሑፍ ግና “ወዲ እታ ባርያ፥ ምስ ወዲ እታ እመቤት ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ” ይብል።
ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።