7 እምበኣር እቶም ዝኣመኑ ሰባት፥ ደቂ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ፍለጡ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ፤ ንሱ ፈጠረና፤ ንሕና ኣይኮንናን፤ ንሕናስ ህዝቡ፥ ኣባጊዕ መጓሰኡ ኢና።
ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ነዝ ገዛ እዙይ፥ ድሕነት ኮነሉ፤ ንሱውን ወዲ ኣብርሃም እዩሞ።
ከምኡ ኸዓ እዙይ ክኸውን ክትሪኡ እንተለኹም፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዝቐረበት ፍለጡ።
ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።
ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።
ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።
ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን፥ ሰላምን ምሕረትን ይኹን።
ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም ዝተፈትሐ ፍለጡ፤ ንሱ ቐልጢፉ ናባይ እንተ መፂኡ፥ ብሓደ ዄንና ኽንሪአኩም ኢና።