6 ከምኡ ኸዓ ኣብርሃም “ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ እምነቱውን ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”
ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።
ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።
ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።
“ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ተፈፀመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ተብሃለ።