3 ክሳዕ ክንድዙይዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ብመንፈስ ጀሚርኩም፥ ሕዚ ብስጋ ኽትፍፅሙዶ ትደልዩ ኣለኹም?
“እቲ ፃድቕከ ኻብ ፅድቁ እንተ ተመለሰ እሞ እንተ በደለ፥ ከምቲ ሓጢኣተኛ ዝገብሮ ዅሉ ፅያፍ ነገርውን እንተ ገበረ፥ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ? ኻብቲ ዝገበሮ ፅድቂ ሓንቲ እኳ ኣይትዝከርን እያ፤ በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።
ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩም፥ ሕጊ ብምፍፃም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ብምእማን?
ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ተቐቢልኩምስ፥ ንኸንቱዶ ጌርኩምዎ?
ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ።