Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ገላትያ 3:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 እምበኣር ሕጊ፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ተስፋ ይፃረር ድዩ? ፈፂሙ ኣይፃረርን፤ ህያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ፥ ተውሂቡ ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ብርግፅ ፅድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ።

Ver Capítulo Copiar




ገላትያ 3:21
18 Referencias Cruzadas  

መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ።


እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።


ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።


ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ?


እስራኤል ግና፥ ነቲ ናብ ፅድቂ ዘብፅሕ ሕጊ እናተኸተሉስ፥ ንሕጊ ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነቲ ፅድቂ ኣይረኸብዎን።


ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥


ንሕና ብክርስቶስ ክንፀድቕ እንደሊ፥ ሓጢኣተኛታት ኴንና እንተ ተረኺብና፥ እምበኣር ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ? ብፍፁም ኣይኮነን!


ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።


ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።


ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።


ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።


እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ፥ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ።


ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos