12 ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል።
“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።
ሕግጋተይ ሃብክዎም፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ፍርደይ ከዓ ኣፍለጥክዎም።
ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፤ ከም ትእዛዛተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብረሉ ሕግጋተይ ከዓ ኣበይዎ፤ ንሰናብተይውን የመና ኣርከስወን፤ ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምስ ቍጥዓይ ደኣ ኽኽዕወሎም በልኩ።
ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ።
እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።
እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን።
እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።
እቲ ህይወት ከምፅእ ዝተውሃበ ትእዛዝ፥ ንኣይ ንሞት ኮነኒ።