10 “ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዘይፍፅም፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ምፍፃም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም፥ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ።
ስለዙይ ንኣሕሉቕ ቤተ መቕደስካ ኣርከስክዎም፤ ንያእቆብ ንርግማን፥ ንእስራኤል ድማ ንፀርፊ ኣሕሊፈ ሃብክዎ።”
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን።
ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።
እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
እቲ ሓሳብ ስጋ፥ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ዝፃረር እዩ እሞ፥ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።
ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥
ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ።