6 እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።
ኵላቶም ስራሕ ኣእዳዉ እዮም እሞ፥ ገፅ ኣሕሉቕ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ፤ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ።
ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም፥ ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ “መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ንፈልጥ ኢና።
ናብኡ መፂኦም ድማ “መምህር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ፥ መንገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል?” በልዎ።
እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና።
ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።
ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ።
እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።
ኣነ ኻብዞም ብሉፃት ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን።
ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ።
እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።
እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።
ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ዓብዪ፥ ሓያል፥ ዘፍርሕ ኣምላኽ፥ ብፍርዲ ዘየዳሉ፥ ጉቦ ኸዓ ዘይቕበል እዩ።
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።
ብዘይ ኣድልዎ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ከከም ግብሩ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር “ኣቦ” ኢልኩም እትፅውዕዎ እንተ ደኣ ዄንኩም፥ ኣብዝ ምድሪ ኣጋይሽ ኴንኩም፥ ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ፥ ንእኡ ብምፍራሕ ንበሩ።