4 እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።
ንትእዛዛትካውን ደልየ እየሞ፥ ኣስፊሐ ክኸይድ እየ።
ሓጐስ ምድሓንካ መሊስካ ሃበኒ፤ ብቕኑዕ መንፈስውን ደግፈኒ።
እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥ ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥ ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”
ንሓድሽ ወይንስ፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ።
ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
“ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም፥ ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽትሕልዉን ኢሎም፥ ብቓሎም ከም ዘናወፁኹምን፥ ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና።
ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም።
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም።
ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።
ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቘፀረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመፀኩም፥ ሓደ እንተ ተበለፀልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዐልኩም፥ ሓደውን ገፅኩም እንተ ፀፍዐኩም፥ ትዕገስዎ ኣለኹም።
ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣህዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን፥ ኣብ በረኻን፥ ኣብ ባሕርን፥ ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት ተጨነቕኩ።
ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን።
ኣጋር ከዓ ኣብ ሃገር ዓረብ ዘላ፥ ደብረ ሲና እያ እተመልክት። ንሳ ምሳሌ ናይታ ሕዚ ምስ ደቃ፥ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም እያ።
ከምኡውን ንሕና ህፃናት እንተለና፥ ኣብ ትሕቲ ኣተሓሳስባ ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና።
ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
ካብዙይ ዝተፈለየ ኻልእ ከም ዘይትሓስቡ፥ ብጐይታ እተኣማመን እየ። እቲ ዘደናግረኩም ዘሎ ግና፥ ዝኾነ ይኹን ፍርዱ ኽቕበል እዩ።
እዚኣቶም፥ ናብ ገዛ ሰብ ሸሊኾም ብምእታው፥ ነተን ሓጢኣት ዝመልአን፥ ብዝተፈላለየ ፍትወት ዝደፋፍኣ ኣንስቲ፥ ዝማርኹ ሰባት እዮም።
እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።
ከም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ብሓርነት ንበሩ እምበር፥ ነቲ ሓርነትስ፥ መጐልበቢ ኽፍኣት ኣይትግበርዎ።
ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዙሓት ሓሰውቲ ነቢያት፥ ናብ ዓለም ወፂኦም ኣለዉ እሞ፥ እቶም መናፍስቲ ኻብ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኖም መርምሩ እምበር፥ ንዅሉ መንፈስ ኣይትእመኑ።
ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።