2 እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።
ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ።
ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን፥ ፅልእን ክርክርን ምስ ኮነ፥ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ክኸዱ ተወሰነ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ድማ፥ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሃዋርያትን ሽማግለታትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኮይኑ ዝገበሮ ዅሉ ነገርዎም።
ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል።
በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ “ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ፥ ከምኡውን ኣብ ሮሜ ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ፥ ኣይዞኻ” በሎ።
እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ።
ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን።
ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።
ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ።
ኣብ ሜዳ ቕድድም ኵላቶም ከም ዝጐዩ፥ ነታ ሽልማት ዝወስዳ ግና፥ ሓደ ጥራሕ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትረኽቡ፥ ከምኡ ጕየዩ።
ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን።
ብምምካሕ ዝርከብ ጥቕሚ እንተ ዘይሃለወኳ፥ ምምካሕ እንተ ኣድልዩስ፥ ካብ ጐይታ ብዘሎ ራእይን ምግላፅን፥ ክምካሕ እየ።
ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።
ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን።
ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤
እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።
እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።
ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም?
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።
እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም።
ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።
ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።