16 ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥ ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?
እምበኣር ከም በደለኛ ዝቝፀር እንተ ደኣ ኾይነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝደክም?
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
ግና እዙይ ዝተፅሓፈ፥ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
ከምቲ ፅሑፍ “ፃድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር” ዝብሎ፥ እቲ ፅድቂ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ እዩ ዝገሃድ።
እቲ ንግሩዝ ብእምነት፥ ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር፥ ሓደ እዩ።
ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን።
ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ።
ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።
ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።
ድሕሪዙይ ድማ፥ እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ።