13 እቶም ዝተረፉ ኻብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣሕዋትውን፥ ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ፥ በቲ ግብዝናኦም ተስሓበ።
“ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
መሊሱውን፥ ንመን ድየ ኸገልግል ዘለኒ? ንኣኻ ንወዱዶ ኣይኮነን? ከምቲ ነቦኻ ዘገልገልክዎ ንኣኻ ድማ ኸገልግለካ እየ” በሎ።
ልብኻኸ ንምንታይ ይወስደካ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፉእ ኣጠማምታ ዝጥምታ?
ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።
ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።
ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ፃድቃን መሲልኩም ትረአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመልአ እዩ።
ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ፥ ሃዋርያት፥ “በርናባስ” እናበሉ ዝፅውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል፥ ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ፥ “ወዲ ምፅንናዕ” ማለት እዩ።
ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ተታሊልኩም ናብቶም በሃማት ኣማልኽቲ ትምርሑ ኸም ዝነበርኩም፥ ትፈልጡ ኢኹም።
ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።
ዛህራኻትኩም ፅቡቕ ኣይኮነን። ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ።
ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ምስ በርናባስ ንቲቶ ሒዘ፥ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ።
እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።
እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን።
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።