Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ገላትያ 2:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ።

Ver Capítulo Copiar




ገላትያ 2:12
16 Referencias Cruzadas  

ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።


“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን።


ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም።


ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ “እዙይስ ንሓጥኣን ይቕበል፤ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣጕረምረሙ።


ንሓድሽ ወይንስ፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ።


“ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ።


ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።


ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።


እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።


ነቶም ክልተ ዝነበሩ፥ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን፥ ብስጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ።


እዝ ምስጢር እዙይ ከዓ፥ ኣህዛብ ብወንጌል ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ፥ መኻፍልቲ ተስፋ ኸም ዝኾኑ እዩ።


ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos