22 እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ።
ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።
ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ፥ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን፥ ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ፥ ሰላም በሉለይ።
ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሳርሕተይ ዝኾኑ፥ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።
ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፥ ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ፥ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን፥ ሰላም በሉለይ።
ነቲ ብክርስቶስ መሳርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን፥ ሰላም በሉለይ።
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ብዝተረፈ ነፍሲ ወከፍ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፥ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝፀውዖ ኾይኑ ይንበር። ንዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን፥ ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘለኹ።
ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን።
ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ።
ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ።