19 እንትርፊ ያእቆብ ሓው ጐይታና፥ ካልእ ካብ ሃዋርያት ንሓደኳ ኣይረአኹን።
ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ቶማስ፥ እቲ ተቐባሊ ቐረፅ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ታዴዎስ ዝተብሃለ ልብድዮስ፥
ነቶም ህዝቢ ኽነግሮም እንተሎ፥ እንሆ እኖኡን ኣሕዋቱን ከዛርብዎ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፥ ዮሳ፥ ስምኦን፥ ይሁዳዶ ኣይኮኑን?
እንድርያስን፥ ፊልጶስን፥ በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ወዲ እልፍዮስ ያእቆብን፥ ታዴዎስን፥ ስምኦን ቀነናዊን፥
“እዙይስ እቲ ፀራቢ ወዲ ማርያምዶ ኣይኮነን? ሓው ያእቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምኦንንዶ ኣይኮነን? ኣሓቱስ ኣብዙይ ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን?” እናበሉ ብእኡ ተዓንቀፉ።
ማቴዎስን፥ ቶማስን፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናኢ ዝተብሃለ ስምኦንን፥
“እኖኻን ኣሕዋትካን ክሪኡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ፥ ዮሃንስ፥ ያእቆብ፥ እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ ቶማስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ።
ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።
ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን፥ ኣሕዋት ጐይታናን፥ ኬፋን ዝገብርዎ፥ ብእምነት ሓፍትና ዝኾነት ሰበይቲ ምሳና ኽንወስድዶ፥ መሰል የብልናን ኢና?
ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ሓው ያእቆብን ካብ ዝኾነ ይሁዳ፥ ናብቶም ፅዉዓት፥ ብእግዚኣብሄር ኣብ ፍቑራትን፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓለዉን፥