11 ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ብኣይ ዝተሰብከ ወንጌል፥ ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።
እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ።
ካባኻትኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኻልእ ከዓ “ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ” ዝብል ኣሎሞ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን?
ከም ኣተሓሳስባ ሰብ ጥራሕ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ? ሕጊ ሙሴስ ከምኡ ይብልዶ ኣይኮነን?
ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥
ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤