3 ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም።
በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና፥ እቲ ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ።
ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ኣብ ኵላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብፅሑፍን ከምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦
“ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።
“ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ኸዓ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሐሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ይደይብ።
ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝመፁ ኸዓ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ዮሴያርን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅላቶምን ኮይኖም፥ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከዓ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ንኽሰርሑ ኣቖምዎም።
ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም።
ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”
ስለ ባርያይ ያእቆብ፥ ስለ እቲ ዝመረፅክዎ እስራኤል ኢለ፥ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ብቕብጥሮት ስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።”
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፥ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ፥ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ፥ ከመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ?” በለቶ።
ልብኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፥ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን።