3 በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ቦታኡ ኣንበርዎ። ብጊሓትን ብምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣቕረቡ።
ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ ዝተፅሓፈ ሕጊ፥ ኵልሻዕ ጊሓትን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ መረፆም።
ንጉስ ሰሎሞን ብነሃስ ገይሩ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ዓሰርተ እመትን ፈረቓን፥ ዝኾነ መሰውኢ ሰርሐ።
ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፤ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርሕዎም።
ነዝ ኣቑሑ እዙይ ውሰድ እሞ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፤ እቲ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቕድም ዝነበሮ ቦታ ይሰራሕ በሎ።
እቲ ናይ መሰውኢ መአጐዲ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተ ኽልተ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ዓሰርተ እመት እዩ፤ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ እዩ።