2 እቶም ምስ ዘሩባቤል ዝመፁ፦ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ።
ኵሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እንተለዉ ሰሳብሳር ነዝ ዅሉ ኣደየቦ።
ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ ብኢድ ሚትሪዳጡ እቲ ተሓዚ መዝገብ ኣውፂኡ ንሹም ይሁዳ ንሰሳብሳር ቈፂሩ ሃቦ።
ናቡከድነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበሩሞ፥ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝተመለሱ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም።
ደቂ ፋሮስ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ከምኡውን ወዲ ዘሩባቤል ሰላትያልን ኣሕዋቱን፥ ከምቲ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ሙሴ፥ ሕጊ ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡሉ ተሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።
ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም።
ሬሑም እቲ ሹምን ሲምሳይ እቲ ፀሓፍን ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ከምዙይ ኢሎም ኣንፃር ኢየሩሳሌም ደብዳበ ፀሓፉ፦
ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅን ተሲኦም፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ዝሕግዝዎም ነቢያት እግዚኣብሄርውን ምስኣቶም ነበሩ።
እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፤ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርጤክስስ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸዓ መፅሓፍ ወለዶኦም እዙይ እዩ፦
ቡኒ፥ ዓዝጋድ፥ ቤባይ፥
ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከዓ ዅሎም እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደገታትን በብመዓልቱ ዘድልዮም ይህብዎም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ ኻብቲ ዝተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ይህብዎም ነበሩ።
እቶም መራሕቶም ዘሩባቤል፥ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ኣዛርያስ፥ ረዓምያ፥ ነሓማኒ፥ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ ሚስጴሬት፥ በጉዋይ፥ ነሑም፥ በዓና ነበሩ። ብዝሒ ናይቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ እስራኤል እዙይ እዩ፦
ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።
ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመለሱ ህዝቢ ዅላቶምን፥ ንድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነቢይ ሓጌን ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሑ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ።
ንዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦
“ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንሱውን ነቲ ዓብዪ ኻህን ኢያሱ፥ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቆይሙ ኣርኣየኒ፤ ሰይጣንውን ክኸሶ ብየማኑ ደው ኢሉ ነበረ።
ኢያሱ ኸዓ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።