3 እምበኣርከስ ሕዚ ኸም ምኽሪ ጐይታይን ከም ምኽሪ እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሑን ሰባት፥ ንዅለን ኣንስትን እቶም ካብኣተን እተወለዱን ንስደድ፤ ምስ ኣምላኽና ቃል ኺዳን ንእቶ፤ ከም ሕጉውን ይፈፀም።
ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።
ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ።
መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።
“ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ስለ ዘይገበሩ፥ እቲ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ኣብዙይ ዝተረኽበ መፅሓፍ ዘሎ ቓል ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ጠይቑ” ኢሉ ኣዘዞም።
ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ።
ሕዚ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙ፤ ፍቓዱውን ፈፅሙ፤ ኣብ ዙርያኻትኩም ካብ ዘለዉ ኣህዛብን ካብተን ጓኖት ኣንስትኹምን ተፈለዩ” በሎም።
እዚኣቶም ኵሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፤ ካብኣተንውን ዝወለዳሎም ኣንስቲ ነበራ።
ኣብ ውሽጢ እተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ። ብታሽዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኵሎም እቶም ህዝቢ በዝ ነገር እዙይን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናንቀጥቀጡ ኣብ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሑ ዅላቶም ብዛዕባ ዓመፃ እቶም ካብ ምርኮ እተመለሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸዓ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ሓዚነ ኾፍ በልኩ።
እቶም ማሕተሞም ዝገበሩሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ወዲ ሓካልያ ሓቴርሰታ ነህምያ፥ ሴዴቅያስ፥
በታ ሻውዐይቲ ወርሒ እትብዓል በዓል ዳስ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ክቕመጡ ኸም ዘለዎም ኣብቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ሕጊ ተፅሒፉ ረኸቡ።
በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”
ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።
ብዛዕባ መንገድታተይ ሓሰብኩ፤ ኣእጋረይውን ናብ ምስክርነትካ መለስኩ።
ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።
ከምቲ ዘተስፈወኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሎሚ ምሳኻትኩም ብማሕላኡ ዘቖሞ ቃል ኪዳን ምእንቲ ኽትኣትዉ፥ ሎሚ ህዝቡ ገይሩ ኸቑመኩም፥ ንሱ ኸዓ ኣምላኽኩም ክኸውን ኣብዙይ ደው ኢልኩም ኣለኹም።
ኢያሱ ሰፊርዎ ናብ ዘሎ ናብ ጌልገላ ኸይዶም ከዓ፥ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመፃእና ኢና፥ ሕዚ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም።