5 ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ።
በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና፥ እቲ ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ።
ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ኣብ ኵላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብፅሑፍን ከምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦
“ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።
“ኣብ ኵለን ቦታታት ስደቱ ንዝተረፈ ዅሉ ሰብ ድማ፥ ብዘይ ሰብ እታ ቦታ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብ፥ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።”
ብለይቲ ተሳእኹ፤ ምሳይ ድማ ውሑዳት ሰባት ነበሩ። እቲ ኣነ ንኢየሩሳሌም ክገብረላ፥ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሃበኒ ኸዓ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። እንትርፊ እታ ኣነ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ ኻልኦት እንስሳ ምሳይ ኣይነበራን።
ምድላው ልቢ ኻብ ሰብ እዩ፤ መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ንመንፈስ እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ። ንሳቶም ድማ መፂኦም፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስራሕ ጀመሩ።
ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ንዘሕደረ ኣምላኽ፥ አመስግኖ ኣለኹ።
ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።