4 “ኣብ ኵለን ቦታታት ስደቱ ንዝተረፈ ዅሉ ሰብ ድማ፥ ብዘይ ሰብ እታ ቦታ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብ፥ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።”
ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ቕድስቲ ቤት ኢለ ዝቐረብክዎ ዅሉ ድማ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሔረይ ፈትየያ ኣለኹ እሞ፥ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘለኒ፥ ወሲኸ ንቤተ እግዚኣብሔረይ እህብ ኣለኹ፦
እቶም መራሕቶም ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ እቶም ህዝቢ ተሓጐሱ፤ ንጉስ ዳዊትውን የመና ተሓጐሰ።
ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ።
“ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ኸዓ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሐሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ይደይብ።
ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ።
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኒሀና፤ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመፃና ኣለና፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ዝኽእል የለን።”
ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ እስራኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ኢሉ ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ልቡ ዝፈቐዶ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር መባእ ኣምፅአ።
እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም።
“ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከዓ፥ ናብ ህዝበይ ምፅዋት ከብፅሕን፥ መስዋእቲ ኸቕርብን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።