1 ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፥ እቲ ብኣፍ ኤርሚያስ ዝተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ። ኣብ ኵላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብፅሑፍን ከምዙይ ኢሉ ኣወጀ፦
ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ እግዚኣብሄር ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዅሎም ተስኡ።
ዘሩባቤልን ኢያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ግና፥ “ንሕናስ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ቤት ንሰርሐሉ እምበር፥ ንስኻትኩም ምሳና ዄንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሑሉ ኣይግብአኩምን እዩ” በልዎም።
እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከዓ፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነቢይ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ሰሪሖም ፈፀምዎ።
እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።
ብቐዳመይቲ ዘመን መንግስቲ ንጉስ ቂሮስ፥ ስለ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም እትስራሕ ቤት እግዚኣብሄር፥ ንጉስ ቂሮስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዙይ እዩ፦ “እቲ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ዝስውኡሉ ቦታ እንደገና ይሰራሕ፤ መሰረቱውን ፅኑዕ ይኹን። ቁመቱ ስሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ስሳ እመት፥
“ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፥ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኵላቶም ሓያላት ኣሕሉቕ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸዓ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኹ፤ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ኣሕሉቕ ኣከብኩ።”
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎምውን፥ ሞገስ ሃቦም።
ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር እዩ፤ ከም ወሓዚ ማይውን፥ ናብ ዝደለዮ ይመርሖ።
ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”
እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥ ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥ ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥ መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥ የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
ዳንኤል ድማ ኽሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብኡ ፀንሐ።
ናቡከደነፆር ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ ሕልሚ ሓለመ፤ መንፈሱ ድማ ተሃወኸ፤ ድቃስውን ሰኣነ።
ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ሰላም ይብዝሐልኩም!
ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ።
ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም።