9 ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም።
ሽዑ ሰይጣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ ኸደ እሞ፥ ንኢዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታኡ ብብርቱዕ ቍስሊ ወቕዖ።
ስለዙይ ካብቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊኖም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ሓሙዅሽቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ በተኖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ወፆም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ።
እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ።
እግዚኣብሄር ክትሓውዩሉ ብዘይትኽእሉ፥ ብሕሱም ሕበጥ ኣብ ብርክኹምን ኣብ ዳንጋኹምን ካብ ከብዲ እግርኹም ክሳዕ መንበስበስታ ርእስኹም፤ ክወቕዐኩም እዩ።
ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።