7 ፈርዖን ድማ ለኣኸ፤ እንሆ ኸዓ ኻብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።
ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ።
ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ልቢ ንጉስ ተሪሩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸይሰዶ ኸዓ ኣብዩ ኣሎ።
ሕዚ እውን ፈርዖን ልቡ ኣትረረ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ኣይሰደዶምን።
እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ።
እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።
ህልኸኛ ምዃንካ፥ ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥ ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥ እፈልጥ እየ እሞ፥
ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ።
እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ።