4 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።”
ንሰለስተ መዓልቲ ንብፃዩ ኽርኢ፥ ወይ ካብ ምቕማጡ ኽትስእ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ዅሎም ደቂ እስራኤል ዝተቐመጥዎ ግና ብርሃን ነበረ።
እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።
ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነብርዋ ምድሪ ጌሴም ጥራሕ በረድ ኣይዘነመን።
እግዚኣብሄርውን ፅባሕ ነዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክገብሮ እዩ ኢሉ ጊዜ ወሰነ።
ንፅባሒቱ ኸዓ እግዚኣብሄር ነዝ ነገር እዙይ ገበሮ። ኵለን ጥሪት ግብፂ ድማ ሞታ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን።
“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።
ንስኻትኩምውን ተመሊስኩም፥ ነቲ ኣብ መንጎ ፃድቕን ሓጥእን፥ ኣብ መንጎ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘገልግልን ዘየገልግልን ክትፈልዩ ኢኹም” በለ።