13 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ፅባሕ ኣንጊህኻ ተስእ፤ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ከዓ ደው በል እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”
እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብ ፈርዖን ኣቲኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ኣይሰድድን ኢልካ እንተ ኸልኪልካዮም ግና፥