10 ስለዙይ ካብቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊኖም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ሓሙዅሽቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ በተኖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ወፆም።
ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ካብ እቶን፥ ሓሙዅሽቲ በእዳውኩም ሓፊንኩም ውሰዱ፤ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ናብ ሰማይ ኣቢሉ የዝርዎ።
ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም።
እግዚኣብሄር ፈውሲ ብዘይብሉ ብቝስሊ ግብፂ፥ ብሕበጥን ብመግለንጭዋን ብዓበቕን ብለሓሲቶን ገይሩ ኽወቕዐኩም እዩ።