9 ሙሴ ኸዓ ንፈርዖን “ሽዑ እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ክጠፍኣ፥ ኣብ ሩባ ጥራሕውን ምእንቲ ኽውሰና፥ ምእንታኻን ምእንቲ መኳንንትኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝፅልየልካ ኣፍልጠኒ” በሎ።
ኤልያስ ድማ ነቶም ነቢያት በዓል “ንስኻትኩም ብዙሓት ኢኹም እሞ፥ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ፤ ስም ኣምላኽኩም ከዓ ፀውዑ፤ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም።
እግዚኣብሄር ነቲ ሩባ ኻብ ዝወቕዖ ሸውዓተ መዓልቲ ሓለፈ።
ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቓ፥ ኣብቲ ሩባ ጥራሕውን ክውሰና እየን” በሎ።
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።
ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ?
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ከምቲ ዝለመንካዮ ይቕረ ኢለሉ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም።