5 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ‘በትርኻ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን ሩባታቶምን ቀላያቶምን መዕቘሪ ማዮምን ዘርግሕ’ ኢልካ ንገሮ። ሽዑ ዅሉ እቲ ማይ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብፂ ደም ክኸውን እዩ።”
ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም መኳንንትኻን ጭንቍራዕ ክድይባኹም እየን’ በሎ።”
ኣዕምዳ ኽስበሩ እዮም፤ ኵሎም እቶም ብዓስቢ ዝሰርሑውን ክሓዝኑ እዮም።