Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 8:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 ሙሴ ግና “እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነቕርቦ መስዋእቲ ንግብፃውያን ርኽሰት እዩ፤ ስለዙይ ኣብዙይ ክንስውእ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ንግብፃውያን ርኽሰት ዝኾነ ኣብ ቅድሚኣቶም እንተ ሰዋእና ብእምኒ ቐጥቂጦምዶ ኣይቐትሉናን?

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 8:26
11 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፥ ነሕዋቱ ንበይኖም፥ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብፃውያን ከዓ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብፃውያን ምስ ዕብራውያን እንጀራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፥ ምስኣቶም ክበልዑ ኣይከኣሉን።


ጓስነት ብግብፃውያን ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ምእንቲ ኽትቅመጡስ ‘ሓሻኽርካ፥ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕዚ መርባሕቲ እንስሳት ኢና’ በሉ” በሎም።


ንጉስ ኢዮስያስ፥ ነቲ ብምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ ዀረብታ ጥፍኣት፥ ዝነበረ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ፥ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል፥ ነታ እተፀይፍ ኣስታሮት ጣዖት ሲዶናውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ካሞሽ ጣዖት ሞኣባውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሚልኮም ጣዖት ደቂ ኣሞን ሰሪሑሎም ዝነበረ ኣርከሶ።


እዝ ነገር እዙይ ምስ ተወድአ ድማ፥ እቶም ኣሕሉቕ ናባይ ቀሪቦም ከምዙይ በሉ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ከምቲ ናይ ከነዓናውያን ናይ ኬጢያውያን፥ ናይ ፌርዛውያን፥ ናይ ኢያቡሳውያን፥ ናይ ኣሞናውያን፥ ናይ ሞኣባውያን፥ ናይ ግብፃውያንን፥ ናይ ኣሞራውያንን ርኽሰት ይገብሩ ኣለዉ እምበር፥ ካብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈለዩን።


“እቶም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ቓልካ ኽሰምዑ እዮም። ንስኻን ንሳቶምን ናብ ንጉስ ግብፂ ኣቲኹም ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ተገለፀልና። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና መስዋእቲ ኽነቕርብ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ ስደደና’ በልዎ።


ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።


ካብዚኣቶም “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፥ ብጓህሩ ድማ እንጀራ ሰንኪተ፥ ስጋ ኸዓ ጠቢሰ በላዕኹ፤ ነቲ ተረፉዶ ዘፀይፍ ነገር ክገብረሉ? ንቝራፅ ዕንፀይቲኸ ኽሰግደሉ ድየ?” ኢሉ ናብ ልቡ ዝምለስ፥ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የለን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos