21 ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮ ግና እንሆ ናባኻን ናብ መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ዕስለ ፅንፅያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብፃውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከዓ ብዕስለ ፅንፅያ ኽመልኣ እየን በሎ።
ተናገረ፤ ዕስለ ፅንፅያን ቃርማን ናብ ወሰና ወሰኖም መፁ።
ኣብ ልዕሊኣቶም ተናኸስቲ ዝምቢ ሰደደ፤ በልዕዎምውን፤ ብጭንቍራዕውን ኣጥፍኦም።
ንቤትካን ንኣባይቲ ዅሎም መኳንንትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ግብፃውያንን ብኣኣቶም ክመልአን እዩ። እዙይ ኣቦታትካን ኣባሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ዝቕመጡ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሪኦምዎ ዘይፈልጡ እዩ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። ሙሴ ተመሊሱ፥ ካብ ፈርዖን ወፀ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣንጊህኻ ተስእ፤ ፈርዖን ናብ ማይ እንትወርድ ኣብ ቅድሚኡ ደው በል። እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸገልግለኒ ንህዝበይ ክኸይድ ስደድ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ወሰን ሩባ ግብፂ ንዘሎ ፅንፅያን፥ ኣብ ኣሶር ንዘሎ ንህብን ብፋፃ ኽፅውዕ እዩ።