16 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ተናገረ፤ ዕስለ ፅንፅያን ቃርማን ናብ ወሰና ወሰኖም መፁ።
ምእንቲ ኸገልግለኒ ድማ ንወደይ ክኸይድ ስደዶ ኢለካ ነይረ፤ ንስኻ ግና ምስዳድ ኣበኻ። እንሆ እምበኣር ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ኽቐትሎ እየ።”
ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ኣትዮም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣብ ምድረ በዳ በዓል ክገብሩለይ ንህዝበይ ስደዶም’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ከምኡ ኸዓ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ሓመድ ብበትሩ ወቕዖ፤ ንሰብን ንኸብትን ድማ ቃርማ ወረሮ።
እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ሒዝካ ናብ ልዕሊ ወሓይዝትን መስኖታትን ቀላያትን፥ ኢድካ ዘርግሕ፤ ንሃገር ግብፂ ድማ ጭንቍራዕ ከም ዝመልኦ ግበር’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።