14 እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት።
ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን።
እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ።
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት።
ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ።
መሳፍንቲ ጣኔዎስ የመና ሰነፋት እዮም፤ እቶም ጥበበኛታት መማኽርቲ ፈርዖን ከዓ፥ ምኽሮም ድንቍርና ኾይኑ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርዖን “ንሕና ደቂ ጥበበኛታት፥ ደቂ ዘርኢ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት ኢና” እትብልዎ?
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ፥ መዓቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊት እዩ፤ ፈፂሙ ኸዓ ኸጥፍኦም እዩ፤ ንማሕረዲውን ከወፍዮም እዩ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፥ ለሰ ሓለፍቲ መንገዲ ዝበሃል ቦታ መቓብር ክህቦ እየ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸዓ፥ መንገዶም ክዓፅወሎም እዩ፤ ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ክቐብርዎም እዮም፤ ለሰ ሓሞንጎግ ድማ ኽበሃል እዩ።
ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።