13 እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ።
ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ።
ተናገረ፤ ዕስለ ፅንፅያን ቃርማን ናብ ወሰና ወሰኖም መፁ።
እተን ጭንቍራዓት ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ መኳንንትኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቓ፥ ኣብቲ ሩባ ጥራሕውን ክውሰና እየን” በሎ።
ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ፈርዖን ወፁ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርዖን ዘምፅአን ጭንቍራዓት ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት።