12 ሙሴን ኣሮንን ከዓ ኻብ ፈርዖን ወፁ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርዖን ዘምፅአን ጭንቍራዓት ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
ተናገረ፤ ዕስለ ፅንፅያን ቃርማን ናብ ወሰና ወሰኖም መፁ።
ሙሴ ኸዓ ኻብ ቅድሚ ፈርዖን ወፂኡ ንእግዚኣብሄር ለመነ።
ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ስለ ምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዝ ብዓብዪ ሓይልን ብፅንዕቲ ኢድን፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብኻ ዝነድድ?
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ። እተን ኣብ ኣባይትን ኣብ ቅፅርን ኣብ በረኻን ዝነበራ ጭንቍራዓት ሞታ።
ሙሴ ኸዓ ኻብ ፈርዖን ወፂኡ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ።
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ፀዊዑ “ካባይን ካብ ህዝበይን ጭንቍራዕ ከርሕቐለይ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ኸይዱ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ መስዋእቲ ኸቕርብ ክሰዶ እየ” በሎም።
ሙሴ ድማ ኻብ ፈርዖን ተፈልዩ ኻብ ከተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፤ ነጐድጓድን በረድን ድማ ሓደገ፤ እቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከዓ ኣቋረፀ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።
ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ።