5 ኢደይ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ብሓይለይ ካብ ማእኸሎም ምስ ኣውፃእኹ፥ ሽዑ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም።”
ብማእኸል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፤ ኣብ ልዕሊ ቝጥዓ ፀላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፤ የማነይቲ ኢድካውን ክተድሕነኒ እያ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምፍራድ ዝተፈለጠ እዩ፤ ሓጥእ ብግብሪ ኣእዳዉ ተትሓዘ።
እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።
መኳንንቱ ድማ ንፈርዖን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዕንቅፋት ዝኾነና? ነዞም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ ስደዶም። ግብፂ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ?” በልዎ።
ንፈርዖንን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ስዒረ ምስ ከበርኩ ድማ፥ ግብፃውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ።
ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።
ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዙይ ክትፈልጥ ኢኻ፦ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ሩባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። እቲ ማይ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ።
ፈርዖን ከዓ “ንፅባሕ” በሎ። ሙሴ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስሎ ኸቶ ኸም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ነታ ህዝበይ ዝነብሩላ ምድሪ ጌሴም ክፈልያ እየ፤ ዕስለ ፅንፅያ ዘይብላውን ክገብራ እየ።
ብመዓት ቍጥዓ ኸዓ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ሕነይ ምስ ፈደኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
ነታ ምድሪ ግብፂ በረኻ ምስ ገበርክዋ፥ እቲ ነታ ምድሪ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም ምስ ወቓዕኽዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝረኸሰ፥ ኣብ ማእኸሎም ከዓ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸዓ፥ እቶም ኣህዛብ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው፥ ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
እቲ ቅዱስ ስመይ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ክረክስ ኣይፈቅድን እየ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”