Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 7:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ፈርዖን ግና ኣይሰምዐኩምን እዩ። ሽዑ ኣነ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ግብፂ ኽገብር እየ። ንሰራዊተይ፥ ነቶም ህዝበይ ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዓቢዪ ፍርዲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 7:4
28 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ምልክታተይ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽገብር፥ ንልቢ ፈርዖንን ንልቢ መኳንንቱን ኣትሪረዮ እየ እሞ፥ ናብ ፈርዖን እቶ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣነ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብፂ ምእንቲ ኸብዝሕ፥ ፈርዖን ኣይሰምዐኩምን እዩ” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።


ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ “እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ኢድ ካብ ግብፂ ኣውፅኢኩም እዩ እሞ፥ ነዛ ኻብ ምድሪ ባርነት ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ዘክርዋ፤ ዝበዅዐ፥ ከቶ ኣይትብልዑ።


እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።


ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።


ግና ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ንጉስ ግብፂ ኽትከዱ ኸም ዘይሰደኩም እፈልጥ እየ።


ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።


እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም።


ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።


ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


ሽዑ ኸዓ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን፥ ንህዝበይ ኣብ ምድረ በዳ ኸገልግሉኒ ክኸዱ ስደዶም፤ ክብለካ ናባኻ ለኣኸኒ፤ እንሆ ድማ ኽሳዕ ሕዚ ኣይሰማዕኻን።


ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።


እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ኣትረሮ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።


እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ኣብ በረኻ ኣብ ዘለዋ ጥሪትካ፥ ኣብ ኣፍራስ፥ ኣብ ኣእዱግ፥ ኣብ ኣግማል፥ ኣብ ከፍትን ኣብ ኣባጊዕን፥ ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽወርድ እዩ።


ንመላገፅቲ ፍርዲ፥ ንዝባን ዓያሹ ኸዓ በትሪ ተዳልዩሎም ኣሎ።


ፍርድኻ ኣብ ምድሪ እንትትገብር፥ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ፥ ፅድቂ ይመሃሩ እዮም እሞ፥ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፤ ኣብ ውሽጠይ ብዘላ መንፈሰይ፥ ኣንጊሀ እደልየካ ኣለኹ።


ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥


ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።”


ንጳጥሮስ ከባድማ፥ ኣብ ፆዓን ሓዊ ኽእጕድ፥ ኣብ ኖእ ከዓ ፍርዲ ኽገብር እየ።


ከምዙይ ገይረ ኣብ ግብፂ ፍርዲ ኽፈርድ እየ፤ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”


ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”


ካብቲ መሰውኢ ድማ፦ “እወ፥ ኦ፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ፍርድኻ፥ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።


ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ዝመሓሎን፥ ናብ ኵሉ ዝወፅዎ ኢድ እግዚኣብሄር ትኸፍኦም ነበረት፤ ብዙሕ ኸዓ ተጨነቑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos