22 እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
ፈርዖን ነዙይ ኣይተገደሰሉን፤ ተመሊሱውን ናብ ቤቱ ኣተወ።
ሓቀኛታት ነቢያት እንተ ደኣ ኾይኖም፥ ቃል እግዚኣብሄርውን ብርግፅ እንተ ሃልዩዎምስ፥ እዝ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ይለምኑ” ኢለ ነገርክዎም።
ከምቲ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ንሙሴ ዝተቓወምዎ፥ እዞም ኣእምሮኦም ዝተበላሸወ፥ ኣብ እምነቶም ፅንዓት ዘይብሎም ሰባት ድማ፥ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ።