21 እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
ንማያቶም ናብ ደም ለወጠ፤ ንዓሳታቶም ከዓ ቐተለ።
እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።”
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከዓ በትሩ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ነቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ከዓ ናብ ደም ተለወጠ።
እቶም ኣስማተኛታት ግብፂ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
እናኣከቡ ድማ ዀመርወን። እታ ምድሪ ኸዓ ጨነወት።
ኣስገርቲ ዓሳ ኽሓዝኑ፥ እቶም ኣብ ሩባ ኣባይ መቝለብ ዝድርብዩ ዅሎም ክበኽዩ፥ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ፥ ልቦም ክጠልሞም እዩ።
ሲሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ፍጡርውን ሞተ፤ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።