19 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንኣሮን ‘በትርኻ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ማያት ግብፂ፥ ኣብ ልዕሊ ወሓይዝቶምን ሩባታቶምን ቀላያቶምን መዕቘሪ ማዮምን ዘርግሕ’ ኢልካ ንገሮ። ሽዑ ዅሉ እቲ ማይ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ዕንፀይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብፂ ደም ክኸውን እዩ።”
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንምድሪ ግብፂ ኣንበጣ ምእንቲ ኽሽፍኖ እሞ፥ ንዅሉ በቝሊ ምድርን፥ ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉን ክበልዕስ፥ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሕ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኸዓ፥ ሰብ ዝድህስሶ ግብ ዝበለ ፀልማት ይኹን” በሎ።
ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ማይ ናብ ልዕሊ ግብፃውያንን፥ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ምእንቲ ኽምለስ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ።
ነዝ ክልተ ምልክት እዙይ እንተ ዘይኣመኑ፥ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፥ ካብ ሩባ ማይ ውሰድ እሞ፥ ናብ ንቑፅ ምድሪ ኣፍስሶ። እቲ ኻብ ሩባ ዝወሰድካዮ ማይ ከዓ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ፥ ደም ክኸውን እዩ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ሙሴ ድማ ኻብ ፈርዖን ተፈልዩ ኻብ ከተማ ወፀ፤ ኣእዳዉ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፤ ነጐድጓድን በረድን ድማ ሓደገ፤ እቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ዝነበረ ዝናም ከዓ ኣቋረፀ።
ኣዕምዳ ኽስበሩ እዮም፤ ኵሎም እቶም ብዓስቢ ዝሰርሑውን ክሓዝኑ እዮም።
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ብሓቂዶ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሩባታት ተቘጢዑ እዩ? ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ሩባታት፥ መዓትካ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ? በፍራስካን ብምድሓን ሰረገላታትካን ተቐሚጥካ ኢኻሞ።