18 እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።”
እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
ነቲ ማይ ሩባ ኽሰትይዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ ዅላቶም ግብፃውያን ዝስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ እቲ ሩባ ሸኻ ዀዓቱ።
ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም።
ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወፅእ እሞ ኽሳዕ እትፀልእዎ ወርሒ ምሉእ ክትበልዑ ኢኹም። እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፥ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ወፃእና? እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ’ በሎም” በሎ።
“እቲ ህዝቢ ድማ፥ ኣብዙይ እንጀራ የለን፤ ማይውን የለን፤ ነዝ ቐሊል ምግቢ ኸዓ ነፍስና መንያቶ እያ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኽንመውትከ ስለ ምንታይ ካብ ግብፂ ኣውፃእኹምና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ተዛረቡ።