12 ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፤ ኣትማንውን ኮና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣብትርቶም ወሓጠተን።
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ኣብቶም ኣስማተኛታትን ኣብ ኵሎም ግብፃውያንንውን ግዝዋ ወፀ። እቶም ኣስማተኛታትውን ብሰንኪ እቲ ቝስሊ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ምባል ሰኣኑ።
ግና ኸምቲ ናይ ኢያኔስን ኢያንበሬስን ዕሽነት ንዅሉ ዝተገልፀ፥ ናይ እዚኣቶም ዕሽነትውን፥ ንዅሉ ኽግለፅ እዩ፤ ካብኡ ሓሊፎም ግና፥ ዘስልጥዎ የብሎምን።
ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።