Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 7:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሙሴን ኣሮንን ከዓ ናብ ፈርዖን ኣትዮም፥ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን መኳንንቱን በትሩ ደርበየ፤ ተመንውን ኮነት።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 7:10
10 Referencias Cruzadas  

ኦ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸልኪ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣገልገልቱን፥ ተኣምራትን ድንቅን ሰደደ።


ደቂ እስራኤል ከዓ ኸይዶም ከምኡ ገበሩ፤ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።


ንሱ ኸዓ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ሙሴ ድማ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ተመን ከዓ ኾነት። ሙሴ ድማ ኻብኣ ሃደመ።


እንሆ፥ ፅባሕ ንግሆ ፈርዖን ናብ ሩባ ክኸይድ እንተሎ፥ ነታ ናብ ተመን ዝተለወጠት በትሪ ብኢድካ ሒዝካ፥ ኣብቲ ገምገም ሩባ ደው ኢልካ ፅንሓዮ።


ሙሴን ኣሮንን ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከዓ በትሩ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ፈርዖንን ኣብ ቅድሚ መኳንንቱን ነቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ሩባ ዝነበረ ማይ ከዓ ናብ ደም ተለወጠ።


ሙሴን ኣሮንን ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ።


“ፈርዖን ‘ተኣምራት ኣርእዩኒ’ እንተበለኩም፥ ንኣሮን ‘በትርኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደርብያ’ በሎ። ንሳ ኸዓ ተመን ክትከውን እያ።”


ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።


ኣትማን ክሕዙ፥ ዝቐትል መርዚ እንተ ሰተዩውን ከቶ ኣይጐድኦምን፤ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት እንተ ኣንበሩ፥ እቶም ሕሙማት ክሓውዩ እዮም።”


እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos