1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣምላኽ ፈርዖን ገይረካ እየ፤ ኣሮን ሓውካውን ነቢይ ይኹንካ።
ንሱ ኸዓ “ነዝ ልመናኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ፤ ነዛ እትዛረበላ ዘለኻ ኸተማውን ኣየጥፍኣን እየ።
ኤልያስ ከዓ ነቲ ቘልዓ፥ ካብ ደብሪ እታ ቤት ኣውሪዱ፥ ንኖኡ ሃባ። “ረአዪ፥ ወድኺ ሓውዩ” በላ።
ኤልሳዕ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፤ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከዓ ቐቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ እንተይበፅሐ እንተሎ፥ ኤልሳዕ ነቶም ዓበይቲ “እዝ ወዲ ቐታሊ ሰብ፥ ርእሰይ ክቘርፅ ሰብ ከም ዝለኣኸዶ ትሪኡ ኣለኹም? እቲ ልኡኽ ምስ መፀ፥ ከም ዘይኣቱ ጌርኩም ነቲ ማዕፆ ሸጕርዎ። ደድሕሪኡ ኸዓ እንሆ እቲ ንጉስ ይመፅእ ኣሎ” በሎም።
ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፥ ተኣምራት ገበረ።
ኣነስ፥ “ኣማልኽቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤
ረአዩ፥ ኣነ ሰንበት ሂበኩም ኣለኹ፤ ስለዙይ ከዓ እየ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን እንጀራ ዝህበኩም ዘለኹ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፤ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውፃእ” በሎ።
ሰብ፥ “እንሆ እዝ ነገር እዙይ ሓድሽ እዩ” ኽብልዶ ይኽእል? ንሱ በቶም ኣብ ቅድሜና ዝነበሩ ዘመናት ተገይሩ እዩ።
ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።
ኣነ ግና፥ ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ‘ብድሕሪዙይ ካብኡ ወፂኦም፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።’