4 ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
ኣብ ገዛኻ ዝተወልደን ብገንዘብካ ዝተዓደገን ግድን ይገረዝ። እዙይ ኣብ ስጋኹም ዝፍፀም ኪዳን ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክኸውን እዩ።
“እንሆ፥ ኣነ ቓል ኪዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፤ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።
“ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ጋሻን ስደተኛን እየ። ኣባኻትኩም ርስቲ መቓብር ሃቡኒ፤ ሬሳይውን ካብ ቅድመይ ክቐብር” በሎም።
እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።
“ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።
እዛ ተሰዲድካላ ዘለኻ፥ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፥ ንኣኻን ንዘርእኻን በረከት ኣብርሃም ይሃብካ፤ ንዘርእኻውን ከማኻ።”
ምሳኻ ግና ኺዳነይ ከቕውም እየ፤ ንስኻ፥ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፥ ሒዝካ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ።
ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ንኣኻ ምድሪ ከነዓን፥ ብፅሒት ርስትኻትኩም ክትኮነኩም ክህብ እየ።”
እዙይ ዝኾነ ንሳቶም ስደተኛታት፥ ብቝፅሪውን ውሑዳት ሰባት፥ እንተለዉ እዩ።
ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም።
እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ኤዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ሽዑ ነዝ በዓል እዙይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣኽብርዎ ኢኹም።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
ሙሴ ኸዓ ንሓው ሰበይቱ፥ ንሖባብ ወዲ ዮቶር ምድያማዊ “ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር ‘ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዘተስፈወና ምድሪ ንኸይድ ኣለና። እግዚኣብሄር ንኣና ንእስራኤላውያን ፅቡቕ ኣተስፍዩና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ፅቡቕ ክንገብረልካ ኢና እሞ ምሳና ኺድ” በሎ።
ኣብኣ ኽንዲ መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተ ኾነ ውሉድ ዘይብሉ እንተሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡ፥ ርስቲ ገይሩ ኸም ዝህቦ ተስፋ ሃቦ።