Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 6:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 6:16
22 Referencias Cruzadas  

ዕድመ ይስሓቅ ሚእትን ሰማንያን ዓመት ኮነ።


ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ።


ደቂ ሮቤል፦ ሄኖህ፥ ፈሉሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ።


ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ።


ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። ብምዑዝ ቅብኢ ድማ ደረዝዎ፥ ኣብ ሳፁን ገይሮም ከዓ ኣብ ግብፂ ኣንበርዎ።


ዳዊት ድማ ንደቂ ሌዊ ኸከም ማይ ቤቶም፦ ንጌድሶን፥ ንቀኣትን፥ ንሜራሪን ኣብ ሰለስተ መቐሎም።


ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀኣት፥ ሜራሪ እዮም።


ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም።


ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተስኡ፦ ካብ ደቂ ቀዓት፦ መሓት ወዲ ኣማሲን ኢዮኤል ወዲ ኣዛርያስን፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ቂስ ወዲ ዓብዲን ኣዛርያስ ወዲ ይሃሌልኤልን፥ ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ዮኣክ ወዲ ዛማትን ዔድን ወዲ ዮኣክን፥


ሓደ ኻብ ነገድ ሌዊ ዝኾነ ሰብኣይ፥ ከይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ።


ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።


እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።


ቆሬ ወዲ ይስዓር፥ ወዲ ቃዓት ወዲ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፥ ኦን ከዓ ወዲ ፋሌት ካብ ነገድ ሮቤል፥


እቶም በብዓሌቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ጌድሶን ዓሌት ጌድሶናውያን፥ ካብ ቃዓት ዓሌት ቀዓታውያን፥ ካብ ሜራሪ ዓሌት ሜራራውያን።


ደቂ ሌዊ፥ በብስሞም ጌድሶን፥ ቃዓት፥ ሜራሪ እዮም።


ደቂ ጌድሶን በብዓሌቶም፥ ሎቤኒ፥ ስሜኢ እዮም።


ደቂ ቃዓት በብዓሌቶም፥ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።


ደቂ ሜራሪ በብዓሌቶም፥ ሞሖሊ፥ ሙሲ እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም።


ዓሌታት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን ካብ ጌድሶን ዝውለዱ እዮም።


ንዓሌታት ቀዓታውያን ከዓ ዕፃ በፅሖም። ነቶም ሌዋውያን ደቂ ኻህን ኣሮን፥ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።


ንደቂ ጌድሶን ከዓ ኻብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብቶም ኣብ ባሳን ዝነብሩ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት በፅሓኦም።


ካብ ነገድ ስምኦን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos