12 ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ “ኣነ ኣፈ ፀያፍ እየ፤ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፥ ፈርዖን ግዳ ኸመይ ገይሩ ኽሰምዐኒ” ኢሉ መለሰ።
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ናብ ፈርዖን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፅእንከ፥ ኣነ መን እየ?” በሎ።
ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “እንሆ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፥ ‘ስሙ መን እዩ?’ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ?” በሎ።
ሙሴ ድማ “እንሆ ኣይኣምኑንን፤ ቃለይውን ኣይሰምዑን፤ ‘እግዚኣብሄር ኣይተገልፀልካን’ ክብሉኒ እዮም” በለ።
ሙሴ ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! ኣነ ዘረባ ኣይክእልን እየ፤ ትማሊ ኾነ ቕድሚ ትማሊ ምስ ተዛረብካኒውን ተዛራባይ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣነ ኣፈይ ፀያፍ፥ ልሳነይ ኮልታፍ እዩ” በሎ።
እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ተናገሮም፤ ንጉስ ግብፂ ፈርዖን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም ንኽነግርዎ ኣዘዞም።
ሙሴ ግና ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ ኸንፈረይ ዘይተገርዘ እዩ፤ ፈርዖን ደኣ ኸመይ ይሰምዐኒ?” በሎ።
ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።
ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።
ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ?
ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥
“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።