Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፀኣት 5:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘፀኣት 5:9
8 Referencias Cruzadas  

ንስኻ ንውግእ ክእለትን ሓይልን ኣለኒ ትብል ኣለኻ፤ ግና ቃል ከንፈር ጥራሕ እዩ። እቲ ዝኸዳዕኻኒ ደኣ ብመን ተኣሚንካ ኢኻ?


ብሓቂ ንኸንቱ ቓልዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ? ወይ ከዓ ንኽትምልስ ዘለዓዓለካ እንታይ እዩ?


እቶም ኣዘዝቶምን እቶም ኣሕሉቖምን ወፂኦም ነቶም ህዝቢ፦ “ፈርዖን ከምዙይ ይብል፦ ‘ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፤


ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ።


ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።


ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።


ንስኻትኩም፦ ‘ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ከንቱ እዩ፤ ኵሉ ናቱ ትእዛዝ ምሕላው፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሕዙናት ኴንና ምምልላስና፥ እንታይ ክረብሐና እዩ?’


ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos